ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ኢስታንቡል ድሕሪ ምዕራፋ ካብ መንገዳ ሸታሕታሕ ዝበለት ነፋሪት ብምውዳቓ 21 ሰባት ምቁሳሎም ተገሊጹ

ሰበ ስልጣን ቱርኪ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ከተማ ኢስታንቡል ድሕሪ ምዕራፋ ካብ መንገዳ ሸታሕታሕ ዝበለት ነፋሪት ወዲቓ ምስብባራን ገለ ተሳፈርቲ’ውን ምቁሳሎም ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ NTV እታ ነፋሪት ድሕሪ ካብ መንገዳ ሸታሕታሕ ድሕሪ ምባላ ወዲቓ ኣብ ሰለስተ ምስባራን ክትቃጸል ጀሚራ ከምዝነበረትን እንተኾነ’ቲ ባርዕ ሽዑ ንሽዑ ምጥፍኡ ተሓቢሩ’ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ኢስታንቡል ድሕሪ ምዕራፋ ካብ መንገዳ ሸታሕታሕ ዝበለት ነፋሪት ብምውዳቓ 21 ሰባት ምቁሳሎም ተገሊጹ

ኣመሓዳሪ ከተማ ኢንስታንቡል በቲ ሓደጋ 21 ሰባት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስትሪ መጉዓዝያ ቱርኪ እታ ነፋሪት 177 ተጉዓዝቲን ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ጽዒና ምንባራ ብምሕባር በቲ ሓደጋ ዝሞተ ተጉዓዛይ ከምዘየለ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ኣጸጋሚ ዝኾነ ምዕራፍ’ታ ነፋሪት ዘጋጠመ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ድሕሪ’ቲ ሓደጋ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምዕጻውን ካልኦት ነፈርቲ ናብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ’ታ ከተማ ክዓርፉ ምግዳዶም ተሓቢሩ’ሎ።

እታ ነፋሪት ቦይንግ 737 ዓይነት ነፋሪት ምኳና’ውን ተገሊጹ’ሎ።