ኣብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ዝተረኽበ ሰነዳት ተኽእሎ ኑክሌር ናይ ወጻኢ መንግስቲ'ውን ከምዝርከቦ ጸብጻባት ይሕብሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዛ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ፌደራል ቤት ዕዮ ገበናት ኣመሪካ(ኤፍ.ቢ.ኣይ) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፍተሻ ካብ ዝሓዞም ሰነዳት ንተኽእሎ ኑክሌር ሓዊሱ ንወታሃደራዊ ዓቕሚ ሓደ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ዝገልጽ ሰነድ ከምዝርከቦ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።

ፌደራል ቤት ዕዮ ገበናት ኣመሪካ ኣብ እዋን ፈተሻ ልዕሊ 11- ሽሕ መንግስታዊ ሰነዳትን ስእልታትን ምሓዙ መዛግብቲ ቤት ፍርዲ የርእዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት ገለ ካብቲ ሰነዳት ዝለዓለ ምስጢራዊ ስርሒታት ኣመሪካ ዝሓዘ ምኻኑ ሓቢሩ'ሎ።

ፌደራል ቤት ዕዮ ፍትሒ ኣመሪካ ትራምፕ ነዞም ሰነዳት ኣብ እዋን እቲ ካብ ዋይት ሃውስ ዝለቀቕሉ ጥሪ 2021 ሒዞም ብምኻድ ኣብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ማር- ኣ- ሎጎ ኣብ ዝርከብ ገዝኦም ብምቅማጦም ኣብ ልዕሊኦም ምርመራ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሕጂ እዋን'ዩ።