ሁማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ወታሃደራት ኤርትራን ተዋጋእቲ ክልል ትግራይን ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝነበሮም ዝርዝር ታራ ዝምልከት ሓዱሽ ፀብፃብ ኣውፂኡ።
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ብዝመደብሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎችዝወፀ ሓዱሽ ሪፖርት ወታደራት ኤርትራን ተዋጋእቲ ትግራይን ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስን ሰፊሕ ዕንወት ምውራዶምን ሓቢሩ ኣሎ።
‘’ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝተፈፀመ ኣሰቃቒ ቕትለታት፣ፆታዊ ዓመፅን ስርቅን ብንፁር: ገበናት ኵናት እዩ’’ ኢላ ኣብ ሁማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር።’’ትግራይ ካብ መግሃስቲ ንዝሃድሙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዓመታት ገነት እያ ነይራ፤ሊሚ ግን ብዙሓት ድሕነት ኣይስምዖምን’’ኢላ ብምውሳኽ።
ኣብ ሕዳር ኵናት ቅድሚ ምውልዑ ትግራይ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሕፃፅን ሽመልባን ዘዕቖቡ 19,200 ሰባት ሓዊሱ መንበሪ 92,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነይራ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን።
ዋላኳ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐተለ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\ፈ ኵናት እንተተኻየደ እውን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ኖቤል ሽልማት ዘርከበሎም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምቅርራብ ኣበጊሶም።ኣስመራ ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ሓገዝ ገይራ።
እቲ ግጭት ምስ ጀመረ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን መጀመሪያ ኣብ ጥቓ ሕፃፅ ተዋጊኦም። Human Rights Watch ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሕፃፅ ን31 ሰባት ከምዝቐተሉን እቲ ትኽክለኛ ቁፅሪ ‘’ካብኡ ኣዚዩ ዝለዓለ ክኸውን’’ ከምዝኽል ‘’እሙን ፀብፃባት’’ በፂሑና ኣሎ ክብል ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ።AFP ቅድም ክብል እቲ ውግእ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ከመይ ከምበፅሐ፣ደገፍቲ ህወሓት ብሒነ ቕትለት ንቶም ስደተኛታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ንትሽዓተ ደቂ ተባዕቲዮ መናእሰይ ቀቲሎም ክብል ፀብፂቡ እዩ።
ኤርትራዊያን ወታደራት ነቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ምስ ተቖፃፀሩዎ 17 ቑስላት ስደተኛታት ንሕክምና ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱዎም ይእመን ይብል ፀብፃብ Human Rights Watch።እንተኾነ ግን ‘’ኣባላት ኮሚቴ ስደተኛታትን ኣባላት ተቓወምትን ተገይሮም ዝርኣዩን ኮላይ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝተኣሰሩ ደሚርካ መብዛሕቲኦም ካብቲ መዕቖቢ ዝወፁ ሰባት ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን’'ይብል።ሓይልታት ትግራይ ነቲ ከባቢ ኣብ መጀመሪያ ታሕሳስ ምስተቖፃፀሩዎ ብስርቂ፣ምእሳር፣ምዕማፅን ብምጥቓዕን ንዓሰርተታት ሰባት ቆቲሎም ይብል እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት።ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ዝተመለሱ ሓይልታት ኤርትራ ሰባት ካብቶም መዕቖቢ ስደተኛት ብሓይሊ ንክወፁ ኣገዲዶምዎም፤ቅሩብ ፅንሕ ኢሉ ሕፃፅ ብዝዓበየ ክፋሉ ምዕናው ናይ ሳተላይት ምስልታት የርኢ ይብል እቲ ተሓላቒ መሰላት ወሲኹ።
ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣብ ሕፃፅን ሽመላባን ዝነበሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን።ናብ ኤርትራ ካብ ምምላ ካሊእ መማረፂ ዘይነበሮም ኣማእቲ ድማ ሁማን ራይትስ ዎች ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ኢሉ ዝገለፆ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ካልኦት ድማ ኣብ ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህወሓት ናብ ዝኾኑ ክልተ ካምፕታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ኣትዮም።ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ህወሓት ኣብ ክልቲኦም ካምፕታት ከቢድ ኣፅዋር ኣእቲዩ፣ንመካይንን መኽዘናትን ወሪሩ ስደተኛታት ክይወፁ ከልኪሉ ‘'መጭወይቲ ዝመስል ኩነታት’’ ፈጢሩ ክብል ይኸስስ።ህወሓት ንከምዚኦም ዝበሉ ክስታት ብምንፃግ ናይቶም ስደተኛታት ሓለዋ ንምርግጋፅ ቃል ኣትዩ እዩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ስደተኛታት ናብ ክልል ኣምሓራ ንምግዓዝ ንምስላጥ እናፈተኑ እዮም።ህወሓት ኣብ ሓምለ ኣብ ክልል ኣምሓራ መጥቓዕቲ ብምፍናው እቲ ክልል ብናይ ቀረባ ውግኣት ተሃሲዩ እዩ።ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ናይ ስደተኛታት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎምን ረድኤት ክባፃሕን ከረጋግፁ ኣለዎም ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሓሙስ ፀዊዑ ኣሎ።
Your browser doesn’t support HTML5