ባህርዳር —
ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጥም ዘሎ ቅትለትን መጥቃዕትን ዝኹንን ሰልፊ ሎሚ ኣብ ከተማ ጎንደር ተካይዱ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተሳተፍሉ ሰልፊ፣ "ብደም ተወላዶ ኣምሓሩ ትሽቅጥ ሃገር ኣይተድልየናን፣ ቅትለትን ምፍንቃልን ኣምሓሩ ይኣክል" ዝብሉ ጭርሖታት ተቃሊሖም፣ አብ ባህርዳር ዝዋዓለ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ናብ ምርጻም ዘዛዘወ ከምዝነበረ’ውን ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሪፖርት ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ንተወላዶ ኣምሓሩ ንምድኻም ዝተበገሱ ሓይልታት፣ ናብ’ቶም ተቃወምቲ ተመሳሲሎም ብምእታው፣ ህውከት ንክላዓል ክሰርሑ ስለዝኽእሉ ምጥንቃቅ ይግባእ’ዩ" ምባሎም ይዝከር።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ቤንሻንጉልን ኣምሓራን፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ዝወረደ ቅትለትን ምፍንቃልን፣ ንሓድነት ሃገር ንምንዋጽ ብዝደልዩ ሓይልታት ዝተዋደደ እዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ።
እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ንዝወርድ ዘሎ ቅትለትን ምፍንቃልን ዝቃወሙ ሰልፊታት ከምዘኽብር’ውን ጠቂሱ።
እንተኾነ፣ ነቶም ሰልፊታት ካብ ዕላማኦም ስሒቶም ንፖለቲካዊ ረብሓ መተግበሪ ንምግባር ከምዝተፈተነ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።