ንሰራዊት ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግን “ኣሸባሪ” ተባሂሉ ዝተሰመየ፣ ንላሊበላ ድሕሪ ምቁጽጻሩ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል’ቶም ሓይልታት አቶ ጌታቸው ረዳ፣ እቲ ሰራዊት ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከምዘይወጹ ኣፍሊጡ።
ኣቶ ጌታቸው "ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተነበረ ክልከላ ክሳብ ዘይተላዓለ፣ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ምውጻእ ዝባሃል ነገር አይክህሉን እዩ"ኢሉ ።
ንሰራዊት ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግን “ኣሸባሪ” ተባሂሉ ዝተሰመየ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከብን ኣብ ዩኔስኮ ብቅርስነት ዝተመዝገበን ታሪኻዊ ስፍራ ላሊበላ ትማሊ ከምዝተቆጻጸሩ ዝዝከር እዩ።
ትካል ዜና ፈረንሳ ዝጠቀሶም ብርክት ዝበሉ ምስክራት "ከተማ ላሊበላ ብዘይ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝዋዓለት" ገሊጾም።
ኣመሪካ ብወገና እቶም ተዋጋእቲ፣ ነቲ ታሪኻዊ ስፍራ ንክከላኸሉ ጸዊዓ ኣላ።ኣመሪካ "ላሊበላ፣ ንስልጣኔ ኢትዮጵያ ዘጉልህ’ዩ" ትብል።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ "ሰራዊቶም ንላሊበላ ዝተቆጻጸረ፣ ምስ መንግስቲ ዝውግኑ ሓይልታት መታን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ክልል ኣምሓራ ዳግም ከይወዳደቡ ንምግታእ እዩ" ኢሉ።
‘ኣብ ትሕቲ ከበባ ኢና ንርከብ፣ ኣብ ሓጹር እዮም ኣእትዮምና’ ዝብል ኣቶ ጌታቸው፣ ዕላማና ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ግዝኣት ንምሓዝ ኣይኮነን፣ ናብ ትግራይ መተሓላለፊ ንምኽፋት’ምበር’ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ምዕራባዊያን ንገበን ዝበልዎ ተግባር ህወሓት ብስቅታ ይሓልፉዎ ኣለው ከምዝበለ ዝዝከር እዩ ይብል እቲ ዜና።