ኣብ ሊባኖን ዝስርሓ ዝነበራ ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛታት ገዛ ናብ ሃገረን ንምምላስ ኣብ ኣፍደገ ቆንስል ሃገረን ይጽበያ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ሊባኖስ ብዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላውን ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ክኸፍሉ ዘይከአሉ ኣስራሕቲ ነተን ሰራሕተኛታት ናብ ዋና ከተማ ቤይሩት ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ወሲዶም ይገድፍወን ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ቆንስል ብወገኑ ናብ ሃገረን ክምለሳ 650 ዶላር ናይ ነፋሪት ብምኽፋልን ከምኡ’ውን ን14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ከምዝጸንሓ ብምፍላጥ ናብ ሃገረን የፋንወን ኣሎ።