ዋሽንግተን —
ክህነጽ ዝጸንሐ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጽርግያ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ኢትዮጵያ ክምረቕ `ዩ ተባሂሉ።
ንሚንስትሪ መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ ነቲ ፕሮጀክት ትዓምም ዘላ ኤርትራ`ያ።
እቲ 90 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጽርግያ፡ካብ 6 ሜትሮ ናብ ልዕሊ 12 ሜትሮ ከምዝገፍሐ፡ 25 ሓደሽቲ ድልድላት ከም ዝተሰርሖን፡ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልታት ከምዝዛዘምን እቲ ሚንስትሪ ሓቢሩ`ሎ።
እቲ ዝብሃል ዘሎ 90 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጽርግያ ካበይ ናበይ ምዃኑ ግን ኣይተጠቐሰን።
እቲ ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢይ ተራ ዝህልዎ `ዩ ዝተባህለ መስመር ጽርግያ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወሲኽካ ብሓሙሽተ ኩባንያታት ኤርትራ ዝዕመም ዘሎ ምዃኑ`ውን፡ ንሚንስትሪ መጎዓዝያ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ኢዜኣ ሓቢሩ`ሎ።
ምሕዳስን ህንጸትን`ቲ ጽርግያ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሽፈን ምዃኑ`ውን ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።
ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኤርትራን፡ ንርክባት ንግዲ ምስ ኢትዮጵያ ኣገዳ’ዩ ዝተባህለሉ ካብ ነፋሲት ናብ ደቀምሓረ ዝሕውስ ጽርግያ ከምዝተዓዘቡ ይዝከር።