ኣባል ቪኦኤ ክፍሊ ትግርኛ- ሽልማት ዳይሬክተር ትረክብ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ቪኦኤ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክፍሊ ትግርኛ ንዲጂታላውን ማሕበራውን መዳይ ትመርሕ ዊንታ ወልደየሱስ ኪዳነ፡ ካብ ዳይሬክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣማንዳ በነት ናይ ብቕዓትን መንፍዓትን ሽልማት ተቐቢላ`ላ።

ኣማንዳ በነት ዘውጽኣቶ መዐቅኒ፡ ኣብ ስራሕ፡ ብፈጠራውነት፡ ኣዓዋትነት፡ ሓቢርካ ምስራሕን ውጽኢታውነትን ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ`ዚ መዳይ`ዚ ብሉጽ ስራሕ ንዘርኣዩ ጋዜጠኛታት ኣፍልጦን ሽልማትን ዘውህብ`ዩ።

ጋዜጠኛ ዊንታ ድማ፡ ክፍሊ ትግርኛ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ተጠቒሙ ቁጽሪን ዓይነትን ሰማዕቱ ከበርኽ ኣብ ምኽኣል ዝተጻወተቶ ተራ`ዩ ነዚ ሽልማት ዳይሬክተር ቪኦኤ ከብቅዓ ኽኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ሽልማትን ትርጉሙን ምስ ዊንታ ኪዳነ ዝተገብረ ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣባል ቪኦኤ ክፍሊ ትግርኛ- ሽልማት ዳይሬክተር ትረክብ