ዋሽንግተን —
ልዕሊ 200 ካብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ዝደሓኑ ስደተኛታት፥ ትማሊ ሰንበት ኢጣልያ ኣትዮም። እቶም 62 ቆልዑት ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሰለስተ ናይ ጎማታት ጀላቡ ጌሮም ካብ ሊብያ ከምዝተበገሱ`ዩ ዝእመን። ናይ ጀርመን ምክትታል ባሕሪ ዝተባህለ ገባሪ-ሰናይ ትካል ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ብዘካየዶ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ምድሓኖም’ውን ይገልጽ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣስታት 200 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ተገሊጹ
ቅድሚ ናብ ውሸባ ምውሳዶም ሕክምናዊ መርመራ ከምዝተገብረሎም`ውን ተሓቢሩ`ሎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ልዕሊ 40 ሺሕ ስደተኛታት ነቲባሕሪ ከቋርጹ ክብሉ ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ይጽብጽብ።