ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 3.8 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጽር ኣሰር ህይወት ተረኺቡ

ተመራመርቲ ቕድሚ 3.8 ኣስታት ሚልዮን ዓመታት ናይ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኣስከሬን ሸኽና ርእሲ ኣብ ኢትዮጵያ ምርካቦም ኣፍሊጦም።

እቶም ተመራመርቲ ነቲ ሓድሽ ርኽበት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን እቲ ዝረተኽበ ኣስከሬን ሸክና ርእሲ ምሉእ ምዃኑ ብምሕባር ናይ ህበይን ሰብን ቅርጺ ዝሓዘ ምዃኑ’ውን ገሊጾም ኣለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣስታት 3.8 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጽር ኣሰር ህይወት ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተረኽበ ኣሰር ህይወት ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብታ ሃገር ዝተረኽበ ብ’ሉሲ’ ዝፍለጥ ኣሰር ህይወት ምትእስሳር ከምዘለዎ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ሓድሽ ርኽበት ኣስትሮለፐቲክስ ኣናመንሲስ ናይ ዝተባህሉ ቀዳሞት ዓሌት ወዲ ሰብ ኣቃውሞ ገጽ፥ ዓቐን ኣእምሮን ኣመጋግባን ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ’ ሎ።