ኣስታት 1,200 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣብ ደሴታት ኢጣልያ ምብጽሖም ተገሊጹ

ፋይል

ልዕሊ 1,200 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ናይ ኢጣልያ ደሴት ላምፐዱሳ ትማሊ ምብጽሓ ጸብጻባት ዜና ኢጣልያ ይገልጹ`ለዉ።

እቶም ፍልሰተኛታት ኣብ ሓንቲ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ተጸቓቒጦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምርኣዮም`ዮም ናብታ ደሴት በጺሖም። መብዛሕቲኦም ካብ ባንግላደሽን ቱንዝያን`ዮም። ብምኽንያት ናይዚ ወርሓት ህድኣት ባሕሪ እቲ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ ወሲኹ`ሎ።