ኣርባዕተ ጋናውያን ኣብ ልዕሊ ዓቃቢ ሕጊ ጋና ኣገልግሎት ጥዕናን ኩባንያ መዕርፎ ነፈርቲን መምርሒ ግዱድ ክታበት ኮቪድ 19፡ ንሰብኣዊ መሰልና ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሲ መሰሪቶም።
ካብቶም ኣርባዕተ እቲ ፈላማይ ነቲ ክሲ ዘቅረበ ሳሚ ጅማፊያ ንድምጺ ኣመሪካ እቲ ግዴታ ክታበት ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ጋና ዉሑስ ዝኾነ ነጻነት ምንቅስቃስ ከም ስግኣት ምጥሓስ ዝቁጸር'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ጋና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዓለምለኸ ተጉዓዝቲ ዘውጽኣቶ መምርሒ ኮቪድ19፡ 11 ዓመት ዝዕድሚኡ ወይ ካብኡ ንለዕሊ ዝኾነ ሰብ ናብታ ሃገር ክኣቱ ከሎ ሙሉእ ክታበት ኮቪድ19፡ ከም ዝተኸትበ መረጋገጺ ኸርኢ ኣለዎ፤ ኹሎም ዘይተኸትቡ ጋናውያንን ነበርቲ ጋናን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ እሞ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝሓስቡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክሳብ 12 ታሕሳስ እንተተመሊሶም እዚ መምርሒ ከም ዘይምልከቶምን ግን ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኮቶካ ምስ በጽሑ ክኽተቡ ግዴታ እዩ ይብል። ዘይተኸትበ እሞ ቫይረስ ኮቪድ19 ዝተረኽብዎ ሰብ 3500 ዶላር ከም ዝቅጻዕ'ዉን ተገሊጹ'ሎ።
ነዚ መምርሒ ብምቅዋም ክሲ ዝመሰረተ ጅምፊያ እምበኣር እዚ መምርሒ፥ ጋናውያን ካብን ናብን ሃገሮም ብነጻነት ከይንቀሳቀሱ ስለ ዝገብር መንግስቲ ከይትግብሮ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክኽልክሎ ሓቲቱ ዘሎ።
እቲ ክሲ ትማሊ 20 ታሕሳስ'ዩ ናብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዘሎ። መንግስቲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት መልሲ ክህበሉ ኣለዎ።