ኣርባዕተ አባላት ሰራዊት ቻይና ካብ ኢኩፋክስ ዝፍለጥ ኤጀንሲ ኣሜሪካ ሓበሬታን ምስጢራትን ምስራቆም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ፋይል

ኣርባዕተ ኣባላት ሰራዊት ቻይና ብኢኩፋክስ(Equifax) ንዝፍለጥ ናይ ኣሜሪካ ኤጄንሲ መዳቢ ደረጃ ልቓሕ መርበብ ኮፒተር ሰርሲሮም ብምእታውን ናይ ሰባት ውልቃዊ ሓበሬታን ምስጢራት ንግድን ብምስራቕን ከምዝተኸሰሱ ሰበስልጣን ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጦም።

ኣብ 2017 ናብ ናይ ኢኩፋክስ መረዳእታ ሰርሲርካ ብምእታው ዝተፈፀመ ስርቂ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ስርቂ ኮይኑ ናይ ኣስታት 150 ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ኣሽማት፣ዕለት ትውልዲን ቁፅሪ መፍለይ መንነትን/social security numbers/ ከምኡ እውን እንተወሓደ ናይ 10 ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን መፍለይ ቁፅሪ መዘወሪ መኪና ምስራቁ ይስከር።

እቶም ኣርባዕተ ቻይናዊያን ዜጋታት ኣብ ናይ ቻይና ሰራዊት ማእኸል ምርምር ይሰርሑ ከምዝነበሩን ናይ ኮምፒተር ምጭብርባር፣ቁጠባዊ ስለያ ብምፍፃምን ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምስጋርን ከምዝተኸሱ እዞም ሰበስልጣን ሎሚ ሶኑይ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ናይ ፌደራል ቢሮ ምርመራ(FBI) ኣሜሪካ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣስታት 1,000 ጉዳያት ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ።