ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ካብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት

ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ፡ ሕብረት ኢማራት ዓረብ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ብሪጣንያን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን

እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ነቲ ብ21 ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምድጋፍ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ምምላሱ’ውን ሓደ ጽቡቕ ኣብነት’ዩ ኢለን።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዘመጐሰ እቲ መግለጺ ድማ ኩላቶም ኣካላት በቲ ዝፈረሙዎ ውዕል ክቕየዱ ጸዊዑ`ሎ። እተን ሃገራት ተበጊሱ ዝነበረ ፖለቲካዊ መስመር ከይቋረጽን ንምርጫ 2023/2024 ካብ ሕጂ ኣትሒዙ ዝመጣጠኖ ምድላው ክግበረሉን ኣመልኪተን። ኣርባዕቲ ኣን ሃገራት ካብኣተን ዝድለ ሓገዝ ክገብራ ድልዋት ምዃነን’ውን ጠቒሰን።

ብቐጻሊ ኣብ ጎደናታት ሱዳን ዝርአ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት መርኣያ ድሌት ህዝቢ ንደሞክራሲያዊ ምምሕዳር’ዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ድሕነት ሰልፈኛታት ከውሕሰ ጸዊዑ።