ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝኸፍአ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ከምዘሎ ገሊፁ።
እቲ ትካል ቅትለት፣ጃምላዊ ማእሰርትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይፍፀሙ ኣለው ዝበሎም ፆታዊ መጥቓዕቲን ኣብቲ ፀብፃብ ዘርዚሩ’ሎ ።
ኣምነስቲ ብወገን መንግስቲ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሻት ምህላዎም ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፀሙ መግሃስቲ መሰላት ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ መንግስቲ ንምርካብ ኣይተኸ አለን፤ እንተኾነ ነዚ ይኹን ንኻልእ ጉዳይ ምዃኑ ዘይተነፀረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ ጉዕዞ ለውጢ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ስለዝኾነ ኣወንታዊ ለውጢ ነቲ መንገዲ ከይስሓትካ እዩ ዝፍፀም: ናይ ኢትዮጵያ ብልፅግና ብዘይደልዩ ኣካላት ድማ ኣይንዘናጋዕ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5