ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳ ን5 ዓመታት ዝጸንሕ ውዕል ንግዲ ተሰማሚዖም

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ውዕል ንግዲ ተሰማሚዖም።

እቲ ውዕል ብሕልፊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንኣሜሪካዊ ኩባንያ ቦይንግ ቀንዲ መወዳድርቱ ዝኾነ ኩባንያ ኤየር ባስ ይፈቅዶ ዝነበረ ድጎማ ዝምልከት እዩ።

እቲ ሓባራዊ ስምምዕነት ዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ብራስልስ ድሕሪ ተራኺቦም ምዝታዮም እዩ።

ኮምሽነር ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ልን "ባይደን ትኹረቶም ኣብ ምጽጋን ምስ ኣውሮጳ ዘሎ ጽምዶ ኣሜሪካ ምግባሮም" ንኢደን።

ፕረዚደንት ባይደን ናይ መወዳእታ ስርሖም ኣብ ኣውሮጳ፣ ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ጄነቫ ምስ መራሒ ሩስያ ፕረዚደንት ቪላድሚር ፑትን ምርኻብ ኮይኑ ኣሎ።