ኣሜሪካ :ኣብ ግዝኣት ፐንሲልቨንያ ቁጽሪ ኣቐዲሞም ብደብዳበ ዘድምጹ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ- ኣብ ግዝኣት ፐንሲልቨንያ ኣቐዲሞም ብደብዳበ ዘድምጹ ቁጽሮም ሪኮርድ ሃሪሙ። ልዕሊ 3 ሚልየን ድምጾም ልኢኾም። ኣብታ ግዝኣት ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ንላዕሊ፣ ትሸዓተ ሚልየን ዝተመዝገቡ ክኾኑ ከለዉ፥ ከምቲ ኣብ 2016 ዝነበረ፡ 70% ካብኦም እንተድሚጾም፥ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ድምጹ ክህብ`ዩ ማለት`ዩ።

ሓደ ኣድማጻይ ወሃቢ ርእይቶ ፐንሲልቨንያ ናጻን ርትዓውን ምርጫ ልዕሊ ኮቪድ 19 የገድሰና`ዩ ኢሉ ።