ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ትማሊ ሰንበት "ስጉምቲ ኣሜሪካ ንምፍታሕ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ቅልውላው" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ሓድሽ መግለጺ ኣውጺኦም። ብመሰረት’ቲ መግለጺ "ኣሜሪካ ንናይ ሕጂን ናይ ቀደምን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩ ፣ ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ቪዛ ከምትክልክል ገሊጻ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብለንክን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒን ከምዝተፈጸመ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይሓልፍ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎን እዚ ጸገም’ዚ እንተቀጺሉ ድማ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል" ገሊጾም።
"ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝቀጸለ ቕልውላው ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያን ዓሚቕ ሻቕሎት ሓዲሩዋ ኣሎ። ኣብ ትግራይ፣ ህዝቢ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማህሰይቲን ግፍዒን ይወርዶ ኣሎ። ህጹጽ ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዛት ድማ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ዕጡቓትን ይዕገት ከምዘሎ" ይጠቅስ።
መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ "እቶም ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ጕጅለታት ተዓጻጻፊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ዋላ’ውን እንተተገብረ፣ ውግእ ደው ከብሉ ወይ ፖለቲካዊ ቕልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኣይካኣሉን። ኣሜሪካ ንቕትለት፣ ኣገዲድካ ምፍንቃል፣ ስልታዊ ጾታዊ ምድፋር ከምኡ'ውን ካልኦት ዓይነት ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ሃሰያን ብትሪ ትኹንን። ኣብ ትግራይ፣ ምንጭታት ማይ፣ ሆስፒታላት፣ ማእከላት ሕክምናን ንብረትን ምጥፋኡ ኣሰምባዲ እዩ" ይብል።
ናብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን አብ ዝቀንዐ መጸዋዕታ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዅሎም ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ሃሰያን ተሓተትቲ ዝዀኑ ናብ ፍርዲ ከቅርቦምን፣ ንሰላማውያን ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ንክከላኸል ከምኡውን ብዘይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ንክተሓላለፍ ክሰርሕ እየ ኢሉ ንዝኣተዎ መብጽዓታት ክፍጽም ንጽውዕ ኣለና። መንግስቲ ኤርትራዊ ብወገኑ፣ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከማልእን፣ ንሰራዊቱ ናብቲ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ክልል ኤርትራ ንኺመልሶምን ጻውዒት ነቅርብ ኣለና። ውግእ ብቅጽበት ደው እንተዘይሉ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ እዋኑ እንተዘይተባጺሑ፣ እቲ ሎሚ ይራኣይ ዘሎን ሰፊሕን ሕጽረት መግቢ ናብ ጥሜት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ" ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ "ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስጕምቲ ዚውሰደሉ እዋን ሎሚ እዩ። ብመሰረት’ዚ፣ ኣብ ትሕቲ ኽፋል 212(ሀ)(3)(ሐ) ሕጊ ስደተኛታትን ዜግነትን፣ ንዝዀነ ይኹን ናይ’ዚ እዋን’ዚ ይኹን ሰበ ስልጣን ነበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ናይ ቪዛ ፈቃድ ምኽልካል መምርሒ እእውጅ ኣለኹ። እዚ መምርሒ’ዚ ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ወይ ውልቀ-ሰባት ማለት ክልላዊን ዘይስሩዕን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (TPLF) የጠቃልል። ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቕልውላው ንምፍታሕ ተባሂሉ ንዝሓለፉ ውሳነታት ዘተዓናቀፉን ዝሓላለኹን፣ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዞባ ትግራይ / ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓመጽ ወይ ካልእ ግህሰት ዝፈጸሙ ወይ ነቶም ናብቲ ክልል ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይኣቱ ዝዕንቅፉ ዘጠቓልል ኢዩ።"
እዚ ናይ ቪዛ ምኽልካል ውሳነ’ዚ፣ ነቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ቤተሰቦምን ስድራቤቶምን እውን ዘጠቃልል እዩ። እቶም ኣብ ትግራይ ንዝወረደ ቕልውላው ንምፍታሕ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፣ ኣንፈቶም እንተ ዘይቀይሮም፣ ካብ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ተወሳኺ ስጕምቲታት ኺጽበዩ ኣለዎም። ካልኦት ሃገራት እውን ምሳና ሓቢረን፣ ነዚ ስጕምትታት እዚ ኺወስዳ ንጽውዕ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ቍጠባውን ድሕንነትን እገዳታት ገይርና ኣለና። ንናይ ምክልኻል ንግዲ ቁጽጽር ፖሊሲና’ውን ምስኡ ዝሰማማዕ ክንገብሮ ኢና’ ይብል ።
ኣሜሪካ "ንኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ ውሕስነት መግቢ፣ መሰረታዊ ትምህርቲ፣ ንኣንስትን ኣዋልድን ዝዋሃብ ደገፍ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ጽቡቕ ምምሕዳር ከምኡ'ውን ግጭት ምንካይ ዝኣመሰለ መዳያት ሰብኣዊ ረድኤትን ክንቅጽሎ ኢና።ኣሜሪካ ፣ ንኤርትራ ንዘይምሕጋዝ ትኽተሎ ዝነበረ ሰፊሕ እገዳታት ከምዝትቅጽለሉ" ገሊጻ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ዝዘርግሕዎ መግለጺ"ኣሜሪካ፣ እዚ ቅልውላው’ዚ፣ ነባርን ፖለቲካውን ፍታሕ ክግበረሉ ከም ዜድሊ እንደገና ትገልጽ። ነቲ ኣብ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ቕልውላው ንምፍታሕ ንዝግበሩ ጻዕርታት ንምድጋፍ፣ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያውያን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምክፍፋል ንምስጋር፣ ልዝብን ዕርቅን ንኺገብሩ ንምሕጋዝ ቆሪጻ አላ" ይብል ።
Your browser doesn’t support HTML5