ኣሜሪካ: ናብ ስምምዕ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ ምምላሳ ሓቢራ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ኣሜሪካ ናብ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሎሚ ዓርቢ ብወግዒ ተመሊሳ አላ። ኣሜሪካ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈት ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዝቕፅሉ ሰላሳ ዓመታት ልቀት ጋዝ ብዝለዓለ ደረጃ ንምንካይ ኣብ ዝትልመሉ እዋን እዩ።

ተመራመርቲን ናይ ወፃኢሃገራት ዲፕሎማትን ኣሜሪካ ናብቲ ስምምዕ ምምላሳ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።ኣዕናዊ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምውጋድ ኣስታት 200 ሃገራት ኣብ 2015 ውዕል ካብ ዝፍርማ ካብቲ ስምምዕ ዝወፀት እንኮ ሃገር ኣሜሪካ ጥራሕ እያ ነይራ።ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ስምምዕ ምፅናሕ ንኣሜሪካ ብዙሕ ዘኽስራ እዩ ክብሉ እዮም ካብቲ ስምምዕ ወፂኦም ነይሮም።