ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተው ጥንታዊ ቅርሲ ዒራቕ ትመልስ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተው ጥንታዊ ቅርሲ ዒራቕ ትመልስ

ካብ ዒራቕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወጺኦም ናብ ናይ ኣሜሪካ ትካል ሆቢ ሎቢ ዝተሸጡ ኣስታት 3,800 ጥንታዊ ቅርሲ ናብ መቦቀል ሃገሮም ተመሊሶም።

ሰበ ስልጣን ጉምሩክ ኣሜሪካ ንገለ ካብቲ ጥንታዊ ቅርሲ ንኣምባሳደር ዒራቕ ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ረቡዕ ምርካቦም ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ቅርሲ ዝገዝኣ ሆቢ ሎቢ ዝተባህለ ትካል ኣብ ወርሒ ሓምለ ድሕሪ ብክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ዝቐረበሉ ክሲ ንምምላስ እቲ ጥንታዊ ቅርሲን 3 ሚልዮን ዶላር ንምክፋል ምስምማዑ ይዝከር።

ብመሰረት ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ወረቓቅቲ እቲ ትካል ኣስታት 5,500 ጥንታዊ ቅርሲ ምግዝኡ ይገልጽ።

ፕረዚደንት’ቲ ትካል ስቲቭ ግሪን እቲ ናይ ዒራቕ ጥንታዊ ቅርሲ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝተኸፍተ በቲ ትካል ዝውነን ቤተ መዘክር ቅዱስ መጽሓፍ ተባሂሉ ከምዘይኾነ አርጋጊጹ’ሎ።