ኣሜሪካ ብሓዲሽ ምዕባለ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተተባቢዓ ምስ ክልቲኣን ሃገራት ናብ ምሉእ ንቡር ዝምድና ንምምላስ ትእምት

ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንነዊሕ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዘካይድኦ ዘለዋ ምዕባለታት ኣሜሪካ ብሓጎስ ተቐቢላቶ`ላ።ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ኣይ ሰላም ኣይ ኹናት ንርግኣትን ቁጠባዊ ምዕባለታት ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ክዕንቅፍ ጸኒሑ እዩ።ዘላቒ ሰላም ኣብ`ቲ ዞባ`ምበኣር ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኾነ ንጎረባብቲ ሃገራት፥ ንኣሜሪካን ንዓለምን ዝያዳ ጸጥታን ብልጽግናን ዘምጽእ’ዩ።

ኣሜሪካ: ኢትዮጵያ ንአወንታዊ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ ንምምጻእ ንስምምዕ ኣልጀርስ ከምትቅበል ኣብ ሰነ 5,2018 ዘሕለፈቶ ውሳነ ብምምስጋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝያዳ መስርሕ ሰላም ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ከምዝልእኽ ኣብ ሰነ 20,2018 ዘሕለፎ መልክኽቲ ከምዘሓጎሳ ትገልጽ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንሰላም ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ተባዓት መራሕቲ ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእን ብልጽግናን ኣብ ምብርታዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን አገዳሲ ተራ ኣለወን።ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዘለዋ ተስፋን ክልቲኣን ሃገራት ሰላምን ምዕባለን ኣብ ምስትምቃር ዘሎ ሓባራዊ ትምኒት ክትገልጽ ትፈትው።ኣሜሪካ ከም ሓንቲ ካብ ምስክራት ስምምዕ ኣልጀርስ መሰረት ነዚ ምዕባለ`ዚ ከም ዝሳለጥ ኣብ ምግባር ድልውቲ ከምዘላ ትገልጽ።