ኣሜሪካ:33 መካይንን 3.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሕክምናዊ ንዋት ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ምልጋሳ ተሓቢሩ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣሜሪካ 3.5 ሚልየን ዶላር ዝግመት 33 መካይንን ብርክት ዝበለ ሕክምናዊ ንዋትን ዝሓለፈ ሓሙስ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከምዝለገሰት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣካል'ቲ ብዩኤስ ኤ ኣይዲ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሰፊሕ ድጋፍ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዩኤስ ኣይ ዲ ሾን ጆንስ ኣሜሪካ ነቶም ብቅልውላው ትግራይ ዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ዘለዋ ቅሩብነት ክትቅጽሎ'ያ ኢሉ'ሎ ።

ግጭት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣሜሪካ​ ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ኣስታት 310 ሚልየን ዶላር ከምዝለገሰት'ውን ተጠቒሱ'ሎ።