ኣመሪካን ኔቶን ንምስሓብ ሰራዊት ሩስያ መረጋገጺ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ወታሃደራዊ መካይን ሩስያ

ሩስያ ልምምዶም ዝወድኡ ሰራዊተይ ካብ ዶብ ዩክሬን ክስሕቦም`የ ዝብልን ምስ ምዕራባዊያን ክዘራረብ`የ ምባላን ንዩክሬናውያን ገና መተኣማመኒ ኣይሃቦምን።

ኣመሪካን መሻርኽታን`ውን ምስሓብ ሰራዊት ክነረጋግጽ ኣይክኣልናን ብዝብል ስግኣት ወራር ሩስያ ገና የንጸላሉ ከምዘሎ ይገልጻ`ለዋ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ትማሊ ዝዘርግሖ ቪደዮ፡ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ሩስያ፡ ኣብ ኣብ ናይ ጽዕነት ባቡራት ክጽዓናን ናብ መዓስከረን ክምለሳን የርእይ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ሩስያ ገለ ካብቶም ኣብ ዶብ ዩክሬን ዝነበሩ ሰራዊታ ልምምዶም ብምውድኦም ናብ መዓስከሮም ከምዝተመልሱ ትገልጽ