ኣመሪካን ብሪጣንያን ኢራን ኣብ ልዕሊ ህዝባ ብትፍጽሞ መግሃስቲታት ተሓታቲት ምዃና ገሊጸን

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኢራን ኣብ ልዕሊ ህዝባ ንዝፈፀመቶም መግሃስታት ተሓታቲት ምዃና ትማሊ ሰሉስ ገሊፀን።ኢራን ንእንግሊዛዊ ኢራናዊ ብሞት ምቕፅዓ እውን ኮኒነን።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዓሊ ረዛ ኣኽባር ዝተፈጸመ ናይ ሞት መቕፃዕቲ መርኣያ ግህሰት መንግስቲ ኢራን እዩ ኢሎም።

"እቲ ስርዓት የውርዶ ምስ ዘሎ መግሃስቲ ዝሰማማዕ እዩ።ማእሰርቲ፣መስቀይቲ፣ ብሓይሊ ምንዛዝንን ዘይፍትሓዊ መቕተልትን መሪሕነት ኢራን ነዚኦምን ካልኦትን መግሃስታት ተሓተቲ ንምግባር ምስ ብሪጣንያን ካልኦት መሻርኽትናን ምስራሕና ክቕፅል እዩ።ብመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ይቃለሱ ምስ ዘለው ተባዓት ኢራናዊያን ጠጠው ምባልና ክቕፅል እዩ’’ኢሎም።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ብሊንከን ዝተራኸቡ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጄምስ ክለቨርሊ ብሪጣንያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢራን፣ ኣባላት ፖሊስ ኢራንን ንሰልፈኛታት ኣብ ምክልባት ዝተሳተፉ ኣባላት ፍትሕን ሓዊሱ ኣብ መቕፃዕቲ ሞት ኣኽባር ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ እገዳታት ምንባራ ገሊፆም።