ኣመሪካ ዓለምለኸ ዋዕላ ኮቪድ19 ንምትእንጋድ ትዳለው

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመሪካ ዓለምለኸ ዋዕላ ኮቪድ19 ንምትእንጋድ ትዳለው

ኣመሪካ ንኮቪድ19፡ ተወሳኺ ከም መርመራታትን ምክልኻልን ፍወሳን ዝበሉ ኣማራፂታት ብምሓዝ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ትኣትወሉ ኣብ ዘላ እዋን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ለበዳ ኣብ ምቅላስ ቀፃሊ ስጉምቲ ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ዓለም ዝዘራረብሉ ካልእ ዋዕላ ኣብ ዝመፅእ ሓሙስ ከተኣናግዱ’ዮም። እንተኾነ ፕረዚደንት ባይደን ከም ዝበልዎ እቲ ኣኼባ ዝካየድ ነቲ ለበዳ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንምቅላስ ዘድልዮም ገንዘብ ኣብ ዘይሓዝሉ’ዩ ።