ዋሽንግተን —
ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ህወሓት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳለጥ መስርሕ ሰላም ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝቅበል ድሕሪ ምግላጹውን እንተኾነ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስ) ትማሊ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳለጥ ልዝብ ንክሳተፉን ውግእ ደው ንምባል ቅሩባት ምኳኖም ምፍላጦምን ኣመሪካ ብታሕጓስ ተቀቢላቶ ኣላ ይብል።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ሎሚ’ውን ኣብ’ቲ ዞባ ከምዝርከቡ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጠቂሳ ኣላ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ዛጊድ የለን።