ኣመሪካ ካብ ሩሲያ ንዝኣትው ፀዓት ኣጊዳ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ዋጋ ነዳዲ ኣብ ኣመሪካ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣመሪካ ካብ ሩሲያ ኣመሪካ ኣጊዶም።እዚ ስጉምቲ ዩክሬይን ንዝወረረ ስርዓት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምቕፃዕ ዝዓለመ ተፅዕኖ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዋጋ ነዳዲ ይውስኽ'ሎ።ኣብ ካሊፎርኒያ ዘወርቲ መካይን ቅድሚ ሓደ ዓመት ይኸፍሉዎ ካብ ዝነበሩ ዋጋ ብ30 ሚእታዊት ወሲኹ'ሎ: እዚ ድማ ዝያዳ ክውስኽ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ኣመሪካ ንቀንዲ ደም-ሱር ቁጠባ ሩሲያ እያ ዒላማ ትገብር ዘላ’’ ኢሎም። "ካብ ሩሲያ ኩሉ ዝኣትው ነዳዲ፣ጋዝን ፀዓትን ንእግዶ ኣለና።እዚ ማለት ናይ ሩሲያ ነዳዲ ድሕሪ ደጊም ኣብ ወደባት ኣመሪካን ህዝቢ ኣመሪካ ተቐባልነት የብሉን።እዚ ንናይ ፑቲን ናይ ኵናት መሳርሒ ሓያል ውቅዒት እዩ’’ኢሎም።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ እገዳ ክእውጁ ከለው ብሪጣን ያ ብወገና ካብ ሩሲያ እተእትዎ ነዳዲ ኣብዚ ዓመት ክቋርፆ እየ ክትብል ገሊፃ።ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ኣብዚ ዓመት ናይ ሩሲያ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ብክልተ ሲሶ ክንቕንሶ ኢና ኢሉ ኣሎ።

ተንተንቲ ግን ናይ ሞስኮ ናይ ፀዓት ኣታዊ ኣብ ሓፂር እዋን ዓብይ ጉድኣት ከምዘየጋጥሞ: ውዒሉ ሓዲሩ ግን ፋይናንሳዊ እገዳታት ካብ ዘሕደሩዎ ተፅዕኖ ብተወሳኺ ኣዚዩ ኣዕናዊ ክኸውን ትፅቢት ከምዘሎ ይሕብሩ።

ጀርመን ማርሻል ኣብ ዝተባህለ ትካል ላዕለዋይ ክኢላ ክርስቲን በርዚና ምስ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ናይቲ እገዳ ተፅዕኖ ብልክዕ ንምግማት ኣፀጋሚ እዩ ትብል።ኣብ ናይ ሩሲያ ነዳዲን ጋዝን ወይ ናይ እምኒ ከሰል መሸጣ ዝህልው ምጉዳል ግን ንናይ ሩሲያ ቁጠባ ዝጎድእ እዩ ኢላ።

ኣመሪካ ካብ ሩሲያ እተእትዎ ቀረብ ፀዓት ሸሞንተ ሚእታዊት ክኸውን ከሎ ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ካብ ዘእትው 40 ሚእታዊት ናይ ተፈጥሮ ጋዝን 27 ሚእታዊት ነዳዲን ኣብ ሩሲያ ፅግዕተኛ እዩ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ሩሲያ ኣለግዛንደር ኖቫክ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ሩሲያ ናብ ዕዳጋ ኣውሮጳ ተቕርቦ ዝነበረት ነዳዲ ብቕልጡፍ ንምትካእ ኣይክኣልን ኢሎም። "ልዕሊ ሓደ ዓመት ክወስድ እዩ፣ንኣውሮጳዊያን ተጠቀምቲ ክኣ ኣዚዩ ክባር እዩ ክኸውን’’ኢሎም።

ካብ ክልቲኡ ዴሞክራቲክን ሪፓብሊካዊያንን ኣባላት ኮንግረስ ፅዑቕ ድፍኢ ምስ መፆም እዮም ባይደን ነቲ እገዳ ዘንበሩ።ካብ ናይ ኣመሪካ ስትራተጂያዊ ዕቋር 30 ሚሊዮን በርሚል ነዳዲ ክቐርብ ኣዚዞም ኣለው።ሰበስልጣኖም ድማ ንናይ ሩሲያ ነዳዲ ንምትካእ ምስ ቬኔዝዌላን ስዑዲ ዓረብን ይዘራረቡ ኣለው።

ኩውኒፒያክ ዩኒቨርስቲ ብቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ 71 ሚእታዊት ኣvሪካዊያን መለስቲ ዋላ እውን ዋጋ ነዳዲ ይወስኽ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ናይ ነዳዲ እገዳ ክግበር ደጊፎም ኣለው።

ነባሪት ሎስ ኣንጀለስ ዝኾነት ጃክሊን ሰይንት ኣን ‘’ኣብ ዩክሬይን መላኺ ስርዓት ካብ ዝትከል ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ እመርፅ’’ ትብል።

ኣብ ናይ ሩሲያ ፀዓት\ኢነርጂ ብሰንኪ ዝተነብረ እገዳን ዝቐፀለ ናይ ዩክሬን ቅልውላውን ኣብ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ ኣሎ።ትማሊ ሰሉ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 132 ዶላር ተመዝጊቡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመሪካ ካብ ሩሲያ ኣመሪካ ፀዓት ኣጊዳ