ኣመሪካ ኣብ ሰማያታ ከንሳፍፍ ዝቐነየ ባሉን ቻይና ሃሪማ ኣውዲቓ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመሪካ ኣብ ሰማያታ ከንሳፍፍ ዝቐነየ ባሉን ቻይና ሃሪማ ኣውዲቓ

ባሉን ስለያ ቻይና ከይኸውን ዝተጠርጠረ ኣብ ሰማያት ኣመሪካ ክበርር ድሕሪ ምቕናዩ ዝሓለፈ ቀዳም ተወቒዑ ክወድቕ ምስ ተገብረ፡ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት ኣመሪካ ነቲ ስብርባር ኣብ ምእራይ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ውጽኢት መርመራ`ቲ ዝወደቐ ባሉን ነቶም ዘለዉ ሕቶታትን ኣብ ምሕዝነት ኣመሪካን ቻይናን ወሳኒ ተራ ከምዝህልዎ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ርሑቕ ክርኣይ ከሎ ሓደ ንቡር ስርሒት`ዩ ዝመስል። ሓንቲ ነፋሪት ኩናት ኣመሪካ ናብቲ ባሉን ወይ ሰብ ዝሰርሖ ዓቢይ ፍሒኛ ብምቕራብ ነቲ ብኣየር ዝንሳፈፍ ዝነበረ ወቒዓ ከም ዝወድቕ ጌራቶ`ላ።

ሚንስተር መጉዓዝያ ኣመሪካ ፒት ቡቲጀጅ ምስ ሲ.ኤን.ኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕእቲ ባሉን ዝወደቐሉ ቦታ ኣስታት 11 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ`ዩ። ነቲ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድ ጥንቃቐ ዝመልኦ መደባት`ዩ ተኻይዱ ይብል።

“ፕረዚደንት ትእዛዝ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ዝተፈላለዩ ሓደጋታትን ረብሓታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ሚዛን ወሲዱ`ዩ። እቲ ስርሒት ድማ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣመሪካዊ ህይወት ኮነ ንብረት ሓደጋ ከየውረደ ተፈጺሙ`ሎ።”

ቻይና እታ ባሉን ሓበሬታ ሜትሮሎጂ`ምበር ካልእ ዕላማ ከምዘይነበራ ብምግላጽ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊማቶ`ላ።

ጡረተኛ ሪር ኣድሚራል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ማይክ ሙለን ፡ን ኤ.ቢ.ሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ እንተኾነ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ናብ ቻይና ክገይሽ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን እቲ ባሉን ክበርር ምግባሩ፡ ነቲ መገሻ ንምትዕንቓፍ ብገለ ኣባላት ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ዝተገብረ ክኸውን ይኽእል`ዩ ይብል።

“ብስትራተጂ ዓይኒ ክትርእዮ ከለኻ ንምሕዝነት ኣመሪካን ቻይናን ዝጎድእ`ዩ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ዝኸውን፡ ኣብ ቻይና፡ የማናይ ኢድ ዝገብሮ ጸጋማይ ኢድ ይፈልጦ`ዶ ዝብል`ዩ።”

ሕጂ ነቲ ስብርባር ዝውደቐ ባሉን ክእረይን፡ ብዛዕባ ዕላማን ትሕዝቶን`ቲ ባሉን ዘሎ ሕቶታት ምላሽ ክህብን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ባይደን ጸቕጢ ይሕይል ኣሎ።

ሪፓብሊካን ኣባል ባይቶ ማይክ ተርነር ምስቲ ምምሕዳር ባይደን ነታ ባሉን ኣቐዲሙ ወቒዑ ከውድቓ ኔርዎ ዝብል ርእይቶ-ነቐፍቲ ይሰማማዕ።

“ቻይና ንባዕላ ተጻባኢት ኮይና ዘቐመጠት ሃገር`ያ። ወተሃደራዊ ዓቕምታቶም የስፍሑ`ለዉ። ኑክሌራዊ ዓቕምታቶም ብሰለስተ ዕጽፊ የሐይሉ ኣለዉ። ልዑል ቅልጣፈ ዘለዎ ኣጽዋራት ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ ጠፈር`ውን ዓቕሞም እናስፍሑ`ዮም ዝኸዱ ዘለዉ።”

ፔንታገን ማለት ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንዕኡ ዝወዳደር ዓቕምታት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ የረጋግጽ።

ሕጂ ነቲ ስብርባር ዝወደቐ ባሉን ዝኣርዩ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል እቲ ስራሕ ከቢድ ከምዘይኮነ ይገልጹ ኣለዉ ፡ክንደይ ከምዝወስድ ግን ግምት ክህቡ ኣይክኣሉን።