ዋሽንግተን —
ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንሴነተር ካሜላ ሃሪስ ምኽትል ፕረዚደንት ንክኾና ሓርየምወን።
ጆባይደንን ካሜላ ሃሪስን ሎሚ ረቡዕ ንፈለማ እዋን ብሓባር መግለጺ ክህቡ እዮም።
ከም አዳላዊ ኮሚቴ ባይደን ሃሪስ ንፕረዚደንት ትራምፕን ምኽትሎም ማይክ ፔንስን ኣብቲ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ብምስዓር ዳግም መንፈስ ሓባራውነት እታ ሃገር ንምምላስን እዛ ሃገር ንቕድሚት ንምስጓምን ከምዝሰርሑ ክዛረቡ ትጽቢት ይግበር።
Your browser doesn’t support HTML5