ኣመሪካ: ሩስያ ንዩክሬን ከይትወርንን ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ክት ስ ዕብን ተጠንቅቕ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንቐዳማይ ዓመት መሪሕነቶም ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሩስያ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ክትስዕብን ንጎረቤታ ዩክሬን ንኸይትጎብጣን ኣጠንቂቆም ።ነዚ መልእኽቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ'ውን ኣብ ኪየቭ ክሕልፍዎ ቀኒዮም እዮም ።

“ሩስያ እንተድኣ ንዩክሬን ትወራ ኾይና ተሓታቲት እያ ። ኣብቲ ተግባር ዝተመርኮዘ ይኸውን ። ሓደ ነገር ኣሎ ቀሊል ጎንጺ እንተኾይኑ እንታይ ክንገብር ኣለና ወይ ይብልና ናብ ዝብል ውጥት ክንኣትው ኢና ማለት እዩ ። ይኹን ድኣምበር በቲ ኣብ ዶባቶም ኣኪቦሞዎ ዘለዉ ሓይሊ ንዩክሬን ዝወርዋ እንተኮይኖም ግን ንሩስያ ከቢድ ሓደጋ እዩ ከሰዕበላ ። ከምኡ'ውን መሻርኽቲ ሃገራትን መሓዙትናን ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቁጠባኣን ከቢድ እገዳን ጉድኣትን ከስዕቡ ድልዋት እዮም ።”

ከባቢ ኣርባዕተ ሰሙን ይከውን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሜር ፑቲን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁ፟ጸሩ ወተሃደራቶም ኣብ ዶባት ዩክሬይን ካብ ዘስፍሩ: ኣመሪካን ዩክሬይንን ድማ ነዚ ቅሉዕ ስግኣት ክብላ ይገልፃኦ ።ፕረዚደንታት ኣመሪካን ሩስያንኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክልተ ግዜ ብብቴሌፎን ዝተዘራረቡ ኮይኖም ኣብዝሓለፈ ሰሙን ድማ ጉጅለ ዲፕሎማሲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ሰለስተ ርእሰ ከተማታት ኣውሮጳ ተራኺቦም ነይሮም ።

ድምፂ ኣሜሪካ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ደገፎም ንምርኣይ ናብ ኪየቭ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ኣዘራሪብዎም ነይሩ ።

“ግልፂ ዝኾነ ኣማራፂ ኢና ንሩስያ ሂብናያ ፤ ዘተ ዘማእከለ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምክያድ ወይውን ጎንፂ ፈጢርካ ንዕዑ ስዒቦም ዝመፁ ዕንወታት ምቅ፟ባል ።ንሕና ምስ ሩስያ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይድና ኢና ። ብቀ፟ጥታ ኔቶ ዘማእከለ ኣብ ቤት ምኽሪ ኔቶ ሩስያ ብትካል ፀጥታኣዊ ምትሕብባራት ኣውሮጳ ኣቢሉ ስትራቴጂካዊ ዘተታት ተኻይዶም እዮም ። ተስፋ ይገብር ሩስያ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ክ ት ስዕብ ። ግልፂ እዩ ድማ ንሱ እዩ ተመራጺ።”

ባይደን ምስ ፑቲን ዘለዎም ርክብ ስጡም ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ይነቅ፟ፉ “ አብ ክንዲ ድሕሪ እቲ ወራር ዝስዕቡ ነገራት ምዝራብ ነቲ ወራር ጠጠው ኣብ ዝብለሉ ኩነት እዩ ጠመት ክግበር ዝግበኦ ። ነገራት ምስተፈፀሙ ንምምላሶም ኣዝዩ ከቢድ እዩ ። “ ክብሉ ኣባል ዓቃባውያን ፓርቲ ሴናተር ጄምስ ሪሽ ተዛሪቦም ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ኦስተን ተመራመራይ ታሪኽ ፕሮፊሰር ጀሬሚ ሱሪ: ባይደን ምስ ሩስያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተ ኣመልኪቱ ካብቲ ዙሑል ኲናት ትምህርቲ ይወስዱ ኣለዉ ይብል ።

“ ኣብ ዙሑል ኲናት እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግጉይ ርድኢት ንዘይምሓዝ መስመራትካ ዝዓርፉሉ ባይታ ንፁር ክኸውን ይግባእ ።ብምኳኑ ብላድሚር ፑቲን ንመፍትሕታት ኣመሪካ ኣቅ፟ሊሉ ክወስዶም ከምዘይግባእ ግልፂ ምግባሩ'ውን ጠቃሚ ይመስስለኒ ። ይኹን ድኣምበር ዕላማ ኣመሪካ ውሱን ምዃኑ'ውን ነፂሩ እዩ ። ትልምና ዩክሬይን ኣብ ቀረባ ናብ ኔቶ ንምምፃእ ኣይኮነን ከምኡ'ውን መፃኢ ዕድል ኔቶ ዝውስን ደጋዊ ሓይሊ ክህሉ ግን ኣይነፍቅድን ኢሉ። ስለዝኾነ እዞም ንፁራት መስመራት ምህላወን ጠቃ፟ሚ ይመስለኒ ።”

ቀፃላይ ዕጫ እዘን ክልተ ሓያላት ሃገራት እንታይ ክኸውን እዩ ፧ ብሊንከን ምስ ናይ ሩስያ መዘነኦም ንካልእ ዙር ዘተ ዓርቢ ክራኸቡ እዮም ። ብኻልእ ወገን ባይደንን ፑቲን ቀፃላይ ጉዕዘዖም ክ ውስኑ ይኽእሉ እዮም ። ዩክሬይን ድማ ብንቅ፟ሓት ትፅበ ምባሎም ዝዝከር እዩ ።