ኣመሪካ መራሒ ዳዒሽ ምቕታሉ ትገልጽ

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ሰባት ብስርሒት ወታሃደራት ኣመሪካ ዝፈረሰ ገዛ እንዳተዓዘቡ - ሶርያ

ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ንመራሒ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ዳዕሽ፣ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ከምዝቀተሎ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ንቅትለት ኣሚር መሓመድ ሰዒድ ዓብደል ራሕማን ኣል ማውላ (አቡ ኢብራሂም ኣል ሓሺሚ ኣል ቁራሽ) ከምዝተቀተለ ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን"ብናተይ ትእዛዝ፣ ሰራዊትና፣ ትማሊ ምሸት ዕውት ስርሒት ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ኣመሪካዊያን ኣንጸላልዩ ንዝነበረ ስግኣት ንምውጋድ ተዓዊቶም "ኢሎም።

ኣብ’ቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኩሎም ኣባላት ሰራዊት ብደሓን ከምዝተመለሱ’ውን ገሊጾም።

ወትሃደራት ኣመሪካ፣ ንመራሒ ዳዕሽ ዝነበረ አቡ በከር ኣል ባግዳዲ ድሕሪ ምቅንጻሉ፣ ኣል ማዋላ፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት መራሒ ዳዕሽ ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።