ኣመሓዳሪት ዩኤስኤኣይዲ ብሞት ሰራሕተኛ ረድኤት'ቲ ትካል ዝተሰምዐን ሓዘን ገሊጸን

  • በትረ ስልጣን

ኣማሓዳሪት ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ(USAID) ሳማንታ ፓወር፣ ብምኽንያት ቅንጸላ ሓደ ሰራሕተኛ’ቲ ትካል ብወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊጸን።

እቲ ዝሞተ ሰብ፣ ኣብ’ቲ ክልል ምስ ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ ኮይኑ ወሳኒ ረድኤት ንህዝቢ የባጽሕ ዝነበረ ከምዝኾነ ዝጠቀሳ ሳማንታ ፓወር፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም ነቶም ብሰንኪ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣዊን ጸገማት ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ይነጥፉ ከምዘለው ጠቂሰን።

ንሰን "ንሰላማዊ ፍታሕን ብሩህ መጻኢን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ንሰርሓሉ እዋን፣ ብሰንኪ’ዚ ምፍርራሕ፣ ምጉብዕባዕ፣ ጉድኣትን ቅትለትን’ዚ፣ ትብዓትን መስዋእትን እቶም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት የባጽሑ ዘለው ሰራሕተኛታት ረድኤት ከንቱ ኮይኑ ኣይተርፍን" ኢለን።

ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ሕዳር ንነዘ፣ ብውሑድ ሸውዓተ ኣባላት ትካላት ረድኤት ኣብ ስራሕ ከለው ተቀቲሎም እዮም። እዚ ዳሕረዋይ ቅንጸላ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ከምዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት እናሓየለ ይመጽእ ዘሎ ኣሰካፊ መጥቓዕቲ ኣንጻር ሰራሕተኛታት ረድኤት እዩ ኢለን።

"ኣሜሪካ ንህዝቢ ትግራይ ንክተሕግዝ ቅርብቲ እያ" ዝበላ ሳማንታ ፓወር፣ "ቃንዛኦም ንከይናዋሕን ንከብቅዕን ወትሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ግድን ክወጹ ኣለዎም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ምብጽሑ ከረጋግጽ፣ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቅርብን ኣብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክበጽሕ ኣለዎ" ኢለን።

"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝቀረበሉ ነቀፌታን ስምዕታን ከምዝነጸጎ" ዝዝከር እዩ።