ኢዜማ ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ
Your browser doesn’t support HTML5
ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ፕሮግራም እቲ ውድብ ንምልላይ ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ:: ኣብቲ መድረኽ ዝነብሩ ተሳተፍቲ ሕቶት ኣልዒሎም ምላሽ ድማ ተዋሂብዎም:: ካብ ዝምስረት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝገበረ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ኣብ ትግራይ ንፈለማ ግዜ’ዩ ህዝባዊ ኣኼባ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ::