አዲስ አበባ —
ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ገዛኢ ፓርቲ መንግስትን ፓለቲካዊ ፓርትን ዘይፈለየ ጎስጓስ ምርጫ ይካየድ ኣሎ ክብል ተቓውምኡ ኣሰሚዑ።
እቲ ፓርቲ ወሲኹ ንብረትን ሃብትን ህዝቢ ንተግባር ጎስጓስ ፓለቲካ ይወዕል ኣሎ ክብል`ውን ይኸስስ። ካብኡ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ሱር ብዝሰደደ ናይ ብሄር ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ`ቶም ህብረ-ሃገራዊ መትከል ዘለዎም ፓርትታት ፖለቲካ፡ ተጽዕኖ የዕርፍ ኣሎ ይብል።
ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ምስ ምንቅስቓስ ምርጫ ተተሓሒዙ ዝለዓል ናይ ኣፈጻጽማ ጸገማት ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኡ`ሎ።