ኢትዮጵያውያን ነባሮ ሰሜን ኣመሪካ መስርሕ ሰላም ትስፍው ኣሎ ይብሉ

ኣቶ መስፍን ተገኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ኮሚተ ዲያስፖራ ማለት ህዝባዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጹው፡ ንሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ፡ ምስ ህወሓት ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ምግላጹ ንኣቦ-መንበር እቲ ኮሚተ ብምጥቃስ ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ኣቶ መስፍን ተገኑ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንክብሪ ሃገርን ውሕስነት ዜጋታትን ዘቐድም ልዝብ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክገብሩ ድሉዋት ምዃኖም ከም ዝገለጸሎም ኣመልኪቱ`ሎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይዅን ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ኣይተረኽቡን። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ደቪድ ሳተርፊልድ’ውን ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ተሓቲቱ ምላሽ ኣይሃበን።

ዝሓለፈ ሰሙን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ 'ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት' ከም ዘስፈሮ፡ “ዝዀነ መስርሕ ሰላምን ዝርርብ ብኣስመራ ክጅምር ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ተዋጋእቲ ትግራይ ንዓፋር ገጾም ገስጊሶም ቦታታት ከም ዝሓዙ ትማሊ ኣብ ዝገለጹሉን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ንውሽጢ ትግራይ ኣትዮም ንህወሓት ከየጥፍኡ ከም ዘይዓርፉ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ድሕሪ ምግልጹን’ዩ።

እቲ ኮሚተ ዳሕራይ ብትዊተር ካልእ መራኸቢታትን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ግን ኣቶ መስፍን ከምኡ ከም ዘይበሉን እቲ ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝቐረበ ጥቕሲ ድማ ዘንቢዑ ከምዝተፈነወ ኣመልኪቱ ኣሎ።