160 ኢትዮጵያዊያን ካብ የመን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ንኣዋርሕ ኣብ የመን ዝጸንሑ 160 ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሶሉስ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ::እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘለው 60 ስደተኛታት ጽዒና ናብ ጅቡቲ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ወሽመጥ ጋልፍ ብምጥሓላ 42 ስደተኛታት ምሟቶም ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ::እታ ጀልባ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 60 ዝኾኑ ካብ የመን ዝሃድሙ ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ከምዝነበረ ተሓቢሩ'ሎ::