ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ሚእቲ ሚሊዮን ፈልስታት ብምትካል ክብረ ወሰብ ዓለም ሰይሮም።ብጻውዒት ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሶኑይ ኣብ መላእ ሃገር ምትካል ፈልስታት ክካየድ ውዒሉ’ሎ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ኣርባ ምንጭን ወላይታ ሰዶን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ፈልስታት ተኺሎም ኣለው።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረቡዎ ፃውዒት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ወፍሪ ምትካል ፈልስታት ተኻፊሎም ኣለው።ሆላንድ ፓርክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ውላደን ፈልሲ ንምትካን ዝወፈራ ወ/ሮ ለምለም ሰለሞን እቲ ህዝቢ ዝተለዓዐለሉ ምኽንያት ከምዚ ክብላ ይገልፅኦ።
“ህዝቢ ዝተለዓዐለ ብፃውዒት ቀዳማይ ሚንስትር እዩ።ብተወሳኺ ድማ ተኽሊ ምትካል ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።ፍቕሪን ሰላምን ዝሓዘ እዩ።ንሓደ ዕላማ ብሓድነት ምውፃእ ንባዕሉ ኣዚዩ ዘሐጉስ እዩ።”
ወ/ሮ ሙሉ ገብረሚካኤል ዝተባህላ ተሳታፊት ምትካል ፈልሲ እውን ንኩነታት ኣየር ይኹን ንድርቂ ኣብ ምክልኻል ከምኡ እውን ነታ ሃገር ሓምላይ ኣብ ምግባር ዓብይ ትርጉም ኣለዎ ኢለን።
ወ/ሮ ገነት ኣግዜ ድማ ትርጉም ምትካል ፈልሲ ሰላም፣ፍቕሪ፣ሓድነትን ዘይምክፍፋልን ማለት እዩ ምስ ኢለን።
“ክሳብ ዝኣኽለኒ ክተክል እየ።ተኺለ ድማ ክከታተሎ እየ። ኣነ ምሕላፈይ ስለዘይተርፍ እዚ ናተይ አሰር ተረከብ ኢለ ነዚ ወለዶ ከሕልፍ እየ።እዚ እዩ መልእኽተይ። “
ካልኦት ተሳተፍቲ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶታት ሂቦም ኣለው።ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምትካል ፈልስታት ሃይማኖታዊ ትካላት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተሳቲፎምሉ ኣለው።
ናይ ሎሚ ሓዊሱ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ክረምቲ 4 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ’ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብምውፋር ፈልሲ ተኺሎም ኣለው።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ክልል ደቡብ ኣርባ ምንጭን ወላይታ ሰዶን፤ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ኣብ ጎንደር፣ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ኦሮሚያ ምብራቕ ሸዋ፣ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ኦሮሚያ ከተማ ቢሸፍቱ ብምርካብ ፈልስታት ተኺሎም ኣለው።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ክልል ኦሮሚያን እውን ወፍሪ ምትካል ፈልስታት ከምዝተኻየደ ሪፖርተራትና ፀብፂቦም ኣለው።
ፈልሲ ናይ ምትካል ስራሓት ዘተሓባብር ኮሚቴ ሎሚ ኣማሲዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኢትዮጵያዊያን ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሚሊዮን ፈልስታት ብምትካል ክብረ ወሰን ዓለም ሰይሮም ታሪኽ ሰሪሖም ኣለው ኢሉ’ሎ።
እዚ ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ትኹረት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ስሒቡ’ሎ።ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ኣብዚ ናይ ሎሚ ወፍሪ ተሳቲፎም ኣለው።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ናይቲ ኮሚሽንን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተፈላለዩ ኤምባስታትን ሎሚ ሶኑይ ኣብ መዘናግዒ ጉለሌ ብምርካብ ኣብቲ ምትካል ተኽሊ ተሳቲፎም ኣለው።
ናይ ኢትዮጵያ አሰር ሓምለዋይ ፕሮግራም ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ወግዓዊ ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ዕላምኡ ኣብ ዓመታት ዝበረሱ ኣእዋምን ዱርን ንምትካእ እዩ ኢሉ’ሎ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣፍሪቃ ኮሚሽን ቁጠባ ዋና ፀሓፊ ቬራ ሶንጌ ነቲ ፃዕሪ ኣድኒቖም ኣለው።ሓደ ካብ ሸቶ ሚሊኒየማዊ ነባሪ ልምዓት ኣንፃር ለውጢ ኩነታት ኣየር ምግጣምን ምምሕያሽ ምምሕዳር ሃብቲ ተፈጥሮን ምዃኑ ብምግላፅ ኣብዚ ዓውዲ ኢትዮጵያ ነታ ኣህጉር ትመርሕ አላ ኢሎም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5