ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ግህሰት ብምቕዋም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰልፊ አካይዶም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ብምቅዋም ሎሚ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዋይት ሃውስን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃእን ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ብምቅዋም ድምፆም ንምስማዕ ከምዝተኣኻኸቡ ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾኑ ኣቶ እክንድር ኣብደታ ገሊፆም።

“ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ሰልፊ ህዝብና ፈቐዱኡ እናተቐትለ፣ካብ መንበሪኡ እናተመዛበለ፣ተማሃሮ፣ገባራት፣ነበርቲ ከተማ ከይተረፉ ዝለዓለ ጉድኣት ይወርዶም ስለዘሎ ንመንግስታት ዓለም፣ንመንግስቲ ኣሜሪካ ብሓፈሻ ክሰምዕ ንዝኽእል ኩሉ ድምፂ ክንኾኖም ኣለና ኢልና ኢና ወፂኢና ዘለና።”

ኣቶ እስክንድር ሰልፈኛታት ይፍፅም ኣሎ ዝበሉዎ በደል ኣብ ምሉእ ኦሮሚያ’ዃ እንተኾነ ብፍላይ ግን ምዕራብ ኦሮሚያ ብኮማንድ ፖስት እናተመሓደረ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ማይ፣ሓይሊ ኤሌትሪክ፣ኩሎም መሰረታዊ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ተቋሪፆም እቲ ህዝቢ ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ይነብር ኣሎ ኢሎም ።

ዕጡቓት ኦነግ ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ መንበሪ ኣባይቲ እናቃፀሉ፣ንሰባት ይዕፍኑ፣ቅትለት ይፍፅሙ ንዝብል ኣቶ እስንክድር ዝቐትሉን ዝዕምፁን ዘለው ወታደራት መንግስቲ ምዃኖም ኢና ንፈልጥ ኢሎም።

ሰልፈኛታት የስምዕዎም ካብ መንጎ ዝነበሩ ጭርሖታት “ስርዓት ኢትዮጵያ ንኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ኦሮሞ ክፈትሕ ንሓትት፣መንግስቲ ኣብይ ኣብ ኦሮሚያ ከፋፊልካ ግዛእ ጠጠው የብል’’ዝብሉ ይርከቡዎም።

ርእይቶ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።