ኢትዮጵያዊያን ዓቀብቲ ሰላም ተወላዶ ትግራይ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም

  • ገብረ ገብረመድህን

ፋይል

ንድሕነቶም ከምዝሰግኡን ኣብ መንጎ ብሄራት ዘሎ ዓሚቝ ግጭታትን ብምጥቓስን ልዕሊ 500 ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም።

ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ ካብ ኣብ መንጎ ኣሰሓሓቢ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተዋፈሩ ኣስታት 4,000 ኣባላት ናይ ኣብየይ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያዊያን ወታሃደራት'ዮም ነይሮም።

ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ብምኽኒያት ዓብይ ግድብ ህዳሴን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እዞም ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ዓቐብቲ ሰላም ብዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክትክኡ ጀሚሮም።

መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያዊያን አባላት ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ገለ ግን ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው ክብል ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ካብ ኒውዮርክ ንኤ.ኤፍ.ፒ ገሊፁ። ብሕቡራት ሃገራት ውሑስ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሓለዋ ይግበረሎም ከምዘሎ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል"ሓላፍነት ምሃብ ዕቑባ ብድጋፍ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሰበስልጣን ሱዳንን'ውን ኢሎም።ብመሰረት ንኤ.ኤፍ.ፒ ቃሎም ዝሃቡ ሓለቓ ሽሕ ገብረ ኪዳንን ካልኦት ክልተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላምን ብድምር 528 ኢትዮጵያዊያን ወታሃደራት ተወለድቲ ትግራይ ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው ።