ኣስመራ —
ካብ ከተማ ጂዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ስዑድያ ተሳፊራ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ኣደ፡ ቀዳም 23 መጋቢት ለይቲ ሃንደበት ሕማም ሕርሲ ተተሒዛ መናቱ ደቂ ኣንስትዮ ዕሸላት ብምግልጋላ እታ ነፋሪት 1:15 ወጋሕታ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብህጹጽ ከምትዓልብ ተጌሩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ
መራሒ ናይታ ነፋሪት ኣቐዲሙ ምስ ምምሕዳር መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብዝገበሮ ናይ ሬድዮ ርክብ ዝዓለበት ነፋሪት ብኤርትራውያን ሓካይም ድሕሪ ዝተገብረላ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሓገዝ ቡኡ ንብኡ ናብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ብኣንቡላንስ ከምዝተወሰደት ተፈሊጡ’ሎ።
እታ ወ/ሮ ጀነቲ ሑሴን መሓመድ ዝተባህለት ኣደን መናቱ ዕሸላታን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ክምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ