ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ

ካብ ከተማ ጂዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ስዑድያ ተሳፊራ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ኣደ፡ ቀዳም 23 መጋቢት ለይቲ ሃንደበት ሕማም ሕርሲ ተተሒዛ መናቱ ደቂ ኣንስትዮ ዕሸላት ብምግልጋላ እታ ነፋሪት 1:15 ወጋሕታ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብህጹጽ ከምትዓልብ ተጌሩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ

መራሒ ናይታ ነፋሪት ኣቐዲሙ ምስ ምምሕዳር መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብዝገበሮ ናይ ሬድዮ ርክብ ዝዓለበት ነፋሪት ብኤርትራውያን ሓካይም ድሕሪ ዝተገብረላ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሓገዝ ቡኡ ንብኡ ናብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ብኣንቡላንስ ከምዝተወሰደት ተፈሊጡ’ሎ።

እታ ወ/ሮ ጀነቲ ሑሴን መሓመድ ዝተባህለት ኣደን መናቱ ዕሸላታን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ክምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ