ኢትዮጵያን ፈረንሳን ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ዝሓወሰ ሓያለ ስምምዕ ተፈራሪመን

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያን ፈረንሳን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ሓዊሱ ኣብ መዳይ ምክልካል:ወፍሪ: ቁጠባን ታሪኻዊ ሓድግታት ኣብ ምሕብሓብን ዝብሉ ስምምዓት ተፈራሪሞም። እዚ ስምምዕ ዝተገብረ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዘካየድሉ’ዩ። ፕረዚደንት ማክሮን ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ተራኺቦም ኣብ ምትሕብባርን አጋርነትን ፈረንሳን ሕብረት ኣፍሪቃን ምዝርራቦም’ውን ተገሊጹ’ሎ።