ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ የካይዳ

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝርከብ ወታሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ሁርሶ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ የካይድ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እቲ ልምምድ ን16 መዓልታት ዝጸንሕን ወታሃደራዊን ሕክምናዊን ልምምድ ዘካተተ አካል ናይ ክልቲኣን ሃገራት ሓባራዊ ልምምድ’ዩ። ዕላምኡ ድማ ነቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ንምሕያል ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 8 ሓምለ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት መኽፈቲ’ቲ ልምምድ ዝተረኽቡ አዛዚ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሜጀር ጀነራል ክላውተር ጂር እቲ ምዕቃብ ሰላም ዝድንፍዕ ተመክሮ ምስ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝካየድ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ወታሃደራዊ ልምምድ ንካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት’ውን ረባሒ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ከካይድኦ ዝጸንሓ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ዛዚመን