ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት መዚዛ

Your browser doesn’t support HTML5

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዲፕሎማት’ታ ሃገር ኮይነን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዘገልገላ ወ/ሮ ሳህለ ርቅ ዘወደ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ክኾና መዚዙ። ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ኣቶ ሙላቱ ተሾመ ትማሊ ምክንያቱ ብዘይነጸረ ጉዳይ ካብ መዝነቶም መልቀቒ ደብዳበ ናብ ፓርላማ ምቅራቦምን ፓርላማ ድማ ንሕቶኦም ምቕባሉ ይፍለጥ።