አዲስ አበባ —
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ሓደጋ ክፈጥሩ ፀኒሖም ተባሂሎም ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊያን ኢሉ ዝሰመዮም "ሸኔ ክብሉ ዝፀውዑዎን ህወሓትን" ብዝምልከት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል መብርሂ ሂቡ ።
ምኽትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፍቃዱ ፀጋ ግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ዝተበየኑ "ሸኔ እናበሉ ዝፅዉዕዎን ህወሓትን" ኣመልኪቶም ንመሓውራት ዜና መብርሂ ሂቦም።
ኣቶ ፍቃዱ "ብመሰረት እቲ ሕጊ ግብረ ሽበራግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ምስ ንዝተበየኑ ኣካላት ሓገዝ ዝገብሩሎም ሰባትን ምስኦም ዝሰርሑን ተሓተቲ ይኾኑ" ክብሉ ኣፍሊጦም ።
Your browser doesn’t support HTML5