ኢትዮጵያ ፡ ካብ ስድራቤት መወቲ ዝወደቐት ነፋሪት ናይ ዲ ኤን ኤይ መርኣያ ምእካብ ምጅማሩ ተፈሊጡ
Your browser doesn’t support HTML5
ስድራቤትን ፈተወትን መወቲ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ይበጽሑ ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ምልላይ መንነት ሬሳ መወቲ ሓበሬታ ንምርኻብ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለው።ስድራቤት እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ ቦታ ዕንባባን ምስሊ መወቲ ኣብ ኣብ ዘንብርሉ እዋን መርመርቲ ብወገኖም ስብርባር እታ ነፋርቲ ኣብ ምእካብ ይሰርሑ።ሰበ ስልጣን ብወገኖም ካብ ስድራቤት መወቲ ናይ ዲ ኤን ኤይ መርኣያ ምእካብ ምጅማሮም ተፈሊጡ’ሎ።