ዋሽንግተን —
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ውዲት ይኣልሙ ኔሮም ንዝበለቶም 15 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወት ኣፍሊጣ።
ሮይተርስ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብምጥቃስ እቲ ጉጅለ ካብ ወጻእተኛታት መምርሒ ብምቕባል`ዩ ይሰርሕ ኔሩ- ኣብቲ ስርሒት ድማ ቁጽሩ ዘይተገልጸ ብረትን ተተኮስትን ሰነዳትን ተታሒዙ ክብል ሓቢሩ`ሎ።
እቲ ጉጅለ ካብ ናይ ወጻኢ ኣሸባሪ ጉጅለ ተልእኮ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዕንወት ከውርድ ይዳሎ ኔሩ ይብል ትካል ስለያ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ መልሲ ኣይሃበን-ዝብል ጸብጻብ ሮይተርስ -እቲ ጉጅለ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኢምባሲ ኢማራት ዓረብ`ውን መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ከም ዝነበሮ ንትካል ስለያ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ።
ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ቲ ውዲት ምስ ናይ ሱዳን መዘንኡ ይሰርሕ ከምዘሎ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ካብ ወገን ሱዳን ዛጊት ዝተረኽበ ርእይቶ የለን።