ኢትዮጵያ ንገለ ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ናብ ውልቂ ንምስግጋር ትዳለው

ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ናብ ናይ ውልቂ ዋንነት ንምስግጋር ይዳሎ’ሎ ክብል ሚንስትር ፋይናንስ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ይኹን ደአ እምበር ነቲ ከም ክቡር ዕንቁ’ታ ሃገር ንዝረአ ትካላት ገለ ክፋላቱ ንምሻጥ ዘሎ ውጥን ግን ዝተሃናፈጸ ስምዒት ፈጢሩ’ሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵጳ ፈላማይ ዓለምለኸ በረርኡ ካብ ዝገብር 73 ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ። ሕጂ ግን ከም አካል’ቲ ውጥን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገለ መሻርኽቲ የናዲ’ሎ።

ሚንስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሸደ ብዛዕና’ዚ ከብርሁ ከለው “ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጉዳያት ቁጠባ አዚና አቲና ኢና ኔርና። ንነባሪነት ዕብየት ከነጣጥህ ኣለና። ፈለማ 4 ትካላት ቴሌኮም ፡ ኣቭየሽን፡ጸዓትን ሎጀስቲክስን ናብ ውልቂ ዋንነት ከነሰጋር ኢና”ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ ንገለ ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ናብ ውልቂ ንምስግጋር ትዳለው