ኢትዮጵያ: ንሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ስዒቡ ብዝተላዕለ ህውከትን ተቓውሞ ኣስታት 80 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ንሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተላዕለ ተቓውሞን ግጭትን ኣስታት 80 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ብዝቐጸለ ህውከት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 80 በጺሖም።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተወልደላ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝርከብቤተ ክርስትያን ገዳመ እየሱስ ሎሚ ሓሙስ ተፈፂሙ።ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሩ፥ 2 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኣብ ስታዲዮም ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ብምኽኒያት ስግኣት ፀጥታ ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎ ሰብ ከምዝተረኸበ ሓው ንሃጫሉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ብኻልእ ዜና ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ኢትዮጵያ ህድኣት ክሰፍን ተማሕፂኖም።ኣብታ ሃገር ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቀረባ ዝማዕበሉ ጉዳያት ብቐረባ ይከታተሉዎ ከምዘለው ብምሕባር እቲ ህውከት ናይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወት ከምዘጥፍአን ከምዘቑሰለን ሓቢሮም።

ንመዋቲ ፅንዓት ዝተመነዩ ሙሳ ፋቂ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ነቲ ኩነታት ዘጎሃህር ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ፀዊዖም ኣለው።