ኢትዮጵያ: ንምትራፍ ተዓዘብቲ ምርጫ ሕብረት ኣውሮጳ መልሲ ሂባ

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፡ "ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ንመስርሕ ምርጫ ንክዕዘብ ዘቅረቦም ቅድመ ኩነታት፣ ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዝጻረሩ፣ ንነጻነታ ዝደፍሩን ንሰላማ ኣብ ሓደጋ ዘውድቁን እዮም" ኢሉ።

ሕብረት ኤወሮጳ ቪሳ ሳት ሒዘ እንተዘይኣተኹ ከምዝበለን ከምዚ ዝዓይነቱ ሕቶ ቀሪቡ ከምዘይፈልጥን ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና፡ "ናትና ቴክኖሎጂ ቴለኮምኒኬሽን ዘይቆጻጸሮ መሳርሒ ሒዝና ክንኣትው ኢና ማለት፣ ከማሓድረኩም ማለት እዩ- ካልእ ምስጢር የብሉን- ዕላምኡ’ውን ንጹር ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ምርጫ ንምዕዛብ እንተኾይኑ፣ ጸጥታ ውሑስ እዩ፣ ምጉዕዓዝ ይካኣል እዩ። ቴለኮሚኒከሽን ኣሎ። ንዑ ተዓዘቡ ተባሂሎም እዮም" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ኣብ አውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዘይተራእየ፡ ንውጽኢት ምርጫ ኣብ ምፍላጥ ዝምልከት`ውን ጣልቃ ናይ ምትእትታው ድልየት ከምዝተንጸባረቀ ጠቒሱ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ: ንምትራፍ ተዓዘብቲ ምርጫ ሕብረት ኣውሮጳ መልሲ ሂባ