ኢትዮጵያ ናይ ሕ/ሃ ኢንተርነት ፎረም ንምትእንጋድ ትዳለው

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ ናይ ሕ/ሃ ኢንተርነት ፎረም ንምትእንጋድ ትዳለው

ዕለት 28 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዋዕላ ኢንተርነት ከጋብእ ይቀራረብ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 6 ሚልዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ ክልከላ ኢንተርነትን ካልእ መራኸቢታትን ኣንቢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ናይቲ ፎረም ኣዳለወቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ዓለምለኸ ኣኼባ ልዕሊ 2,500 ልኡኻት ክሳተፉ ትፅቢት ይገብሩ።ብኣካል ክርከቡ ዘይኽእሉ ብኢንተርኔት ወይ ቨርቺዋል ኣቢሎም ምስ ኩሉ ሰብ ዝራኸብሉ ዕድል ክህልዎም እዩ።

ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ክልል ትግራይ ግን ናይ ምክትታል ዕድል ኣይህልዎን።እታ ክልል ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2020 ኵናት ካብ ዝለዓል ንደሓር ግዳይ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዕፅዋ ኮሚኒኬሽን ኮይና እያ።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ስምምዕ ሰላም ምስተበፅሐ ፌደራል መንግስቲ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበሮም ንምምላስ መፅብዓ ኣትዩ እዩ።እቲ ዕፅዋ ግን ሕዚ እውን ብጥቡቕ ቀፂሉ ይርከብ።

ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምውሳኑ ግን ሕቶ ክልዓል ገይሩ ኣሎ።ዓሰርተ ሓሙሽተ ሕዳር 2022 ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ሰኔት ኣመሪካ ዝኾኑ ጂም ሪስች እቲ ውሳነ ‘’ጌጋ እዩ’’ ክብሉ ብምግላፅ እቲ ፎረም ንዜጋታት ብስሩዕ ኢንተርኔት ኣብዘይትኽልክል ሃገር ክካየድ ነይዎ ኢሎም።

ኣብዚ ሰሙን ሚንስትር ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ሑሪያ ዓሊ ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ምትእንጋድ ተራ ብምክልኻል ብህወሓት ዝምራሕ ጥምረት ኣብ 2018 ካብ ዝትካእ ኣትሒዙ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ነፃነት ኣብ ምስትምቓር ትርከብ ኢላ ድማ ኢለን።

"ሒደት ንምግላፅ ብናይ ቀደም መንግስቲ ተዓጽዮም ዝነበሩ መርበባት ሓበሬታ ተኸፊቶም፣ፖለቲካዊ እሱራት ተፈቲሖም፣ኣብ ስደት ዝነበሩ ኩሎም ፖለቲከኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተጋቢዞም፣ናይ 2020 ምርጫ ደረጃ ዝሓለወን ተቓወምቲ ኣጀንዳታቶም ብነፃነት ዘሕለፉሉን ኔሩ።"

ሑሪያ እቲ ዕፅዋ ብምጥቓስ መንግስቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ሚሊዮናት ዘመዛበልን ግጭት ትግራይ ስዒቡ ‘’ነታ ሃገር ንምክልኻል’’ ተገዲዱ ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ ኢላ።

እቲ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ ዘይኮነስ ኣብ ክፍላት ኦሮሚያ እውን እዩ። ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ 2020 ኣብ ዝተቐተለሉ እዋን ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውክት ኣዲስ ኣበባ እውን ንሰሙናት ብዘይ ኢንተርኔት ኣሕሊፋቶ እያ።

አክሰስ ናው ኣብ ዝተባህለ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ኢንተርኔት ማነጀር ዝኾነት ፈሊቺያ ኣንቶኒዮ እቲ ናይ ኢንተርኔት ፎረም እቲ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ ዘሕደሮ ፅልዋ ንምጉላህ ከም ዕድል ክጠቅም እዩ ኢላ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ንዝተነብረ ዕፅዋ ኢንቴርኔት ተሓታቲ እዩ፤ኣብ ትግራይን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ምሉእ ተበፃሕነት ኢንቴርኔት ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ ቅልጡፍ ስጉምትታት ክወስድ ኣለዎ።ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ ናይ ምስፍሕፋሕ ንፁር ሓላፍነት ኣለዎም።እቲ ዕፅዋ ኢንተርኔት ከብቅዕ ክሕግዙ እዋኑ ሕጂ እዩ።"

ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ይምለስ እዩ ኢሎም።ንሕጂ ግን እቲ ክልል ካብ ዓለም ተበቲኹ ቀፂሉ ኣሎ።